There's No Mountain - ዘይንድይቦ ጎቦ

There's No Mountain - ዘይንድይቦ ጎቦ


ዘይንድይቦ ጎቦ ዘይንሰግሮ ሩባ ፍፁም ወይከ የለን

መስመር እዩ ሓይልና-ህዝቢ እዩ ሓይልና-ወይከ ኣይንሰዓርን

ሃሩር ፀሓይ ንዳድ ህቦብላ ማይ በረድ

ማይማይ ትበል ነብሲ ኣብ ጀቕጀቕ ትረግረግ

ደንጎላ ንተርኣስ በዓቲ ይኹን ቤትና

ለይትን ቀትርን ጉዕዞ ይድከም ይጥመየና

መስመር እዩ ሓይሊና-ህዘቢ እዩ ሓይሊና-ወይከ ኣንስዓርን

ዘይንድይቦ ጎቦ ዘይንሰግሮ ሩባ ፍፁም ወይከ የለን

መስመር እዩ ሓይልና-ህዝቢ እዩ ሓይልና-ወይከ ኣይንሰዓርን

ንከበብ በዛብእ መሬት ትፅበበና

ኣብ ስጋና ይቀርቀር ኣስናን ፀላእትና

ስጋና ንኣሞራ ደምና ውሑጅ ይኹን

ኣዕፅምትና ይድቀቕ ሕሩጭ ኮይኑ ይበተን

መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይልና

ክባታት ፀላኢ ክንፍንፅሖ ኢና

ዘይንድይቦ ጎቦ ዘይንሰግሮ ሩባ ፍፁም ወይከ የለን

መስመር እዩ ሓይልና-ህዝቢ እዩ ሓይልና-ወይከ ኣይንሰዓርን

ናፓል ምስ መርዛም ጋዝ ፋሽሽታዊ ነዳድ

ሚሊዮን ቁምቡላታት ኣብ ልዕሌና ይንጎድ

መስዋእትን መቑሰልትን ክሳራታት ንክፈል

ዝኸፍአ መከራ ውዲታት ይፍተልተል

መስመር እዩ ሓይሊና-ህዝቢ እዩ ሓይሊና-ተዓወቲ ኢና!

Comments

Popular posts from this blog

Katyusha - Катюша (Kazakh Ver.)

The Song of Salt - Солёная песня

Chceme Nazad Košice